Get help as a refugee - Tigrinya

ሓገዝ ን ስደተኛታትን ሓተትቲ ዑቕባን

እንተደኣ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ትነብር ስደተኛ ወይ ድማ ሓታቲ ዑቕባ ኮይንካ፣ ተግባራዊን ስምዒታዊን ሓገዝ ክነቕርበልካ ንኽእል ኢና።[No text in field]

ብኸመይ ክንሕግዘካ ከም እንኽእል

እዚ ገጽ እዚብኻልኦት ቋንቋታት ክርከብ ይኽእል እዩ.

 ማሕበር ቀይሕ መስቀል ብሪጣንያ (British Red Cross) ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ እቲ ዝዓበየ ነቶም ስደተኛታትን ሓተትቲ ዑቕባን ዝኾነ ሰባት ካብ ጽዕንቶ ናጻ ዝኾኑ ኣገልግሎታትን ደገፍን ዝህብ ማሕበር እዩ።
ንኹሉ ዓይነት ድሕረ ባይታን ሃይማኖትን ዘለዎም ሰደተኛታት ሓገዝ ንህብ። ናብ'ቶም ሰብ መዚ ንዓኻ ዝምልከት ሓበሬታ ኣይክንህብን ኢና።
እንተደኣ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝነባርነትካ ስደተኛ ወይ ሓታቲ ዑቕባ ኮይንካ፣ ወይ ኣብ ከም'ዚ ዓይነት ኩነታት ዝርከብ ትፈልጦ ሰብ እንተሃልዩ፣ ጉጅለና ኣብ'ዞም ዝስዕቡ ጉዳያት ሓገዝ ከቕርበልካ ይኽእል እዩ፡

  • ህጹጽ ሓገዝ
  • ሓደ-ን-ሓደ ዝወሃብ ዕዮ ጉዳይ
  • ሓደ ግዜ ዝወሃብ ደገፍ
  • ሓገዝ ኣበይ ምርካብ ከም ዝከኣል ብዝምልከት ሓበሬታን ገለጻን።

እቲ ንሕና ነቕርቦ ደገፍ ካብ ማሕበር ቀይሕ መስቀል ዝመጽእ ክኸውን ይኽእል ወይ ድማ ናብ ካልኦት ትካላት ክነመሓላልፈካ ንኽእል።

ካልኦት ፍልፍላት ንስደተኛታት ዝቐርቡ ሓገዛት

Find support near you

ዝያዳ ሓበሬታ ክትረክብ ትደሊ ዶ?

ብዛዕባ እቲ ነካይዶ ናይ ምርምርን ናይ መሰል ጥብቅናን ስራሕቲን ን ስደተኛታት ብኸመይ ክትሕግዝ ከም እትኽእልን ብዝምልከት ሓበሬታ ርኸብ።


ን ስደተኛታት ብኸመይ ንሕግዝ