ንጥርዓናት፡ ናእዳን ግብረ መልስን ብኸመይ ከነመሓድርን ክንምልሶን ኢና።

ማሕበረ ቀይሕ መስቀል ዓዲ እንግሊዝ ንዝቐርቡ ጥርዓናት፡ ናእዳ፡ ከምኡ`ውን ርእይቶታት ኣብ እንታይ ስርሓት ዕዉታት ከምዘለና፡ ኣበይ ክንመሃርን ክንመሓየሽን ከም እንኽእልን ንምርዳእ ዘኽእለና ሓበሬታን ዕድላትን ከም ምዃን ስለንርዳእ ብሕጉስ መንፈስ ንቕበሎ። እንተድኣ፡ ናይ ገዛእ ርእስና ልዑል ደረጃታት ናይ ስራሕ መዓቀኒ ክነማልእ እንተዘይኪኢልና፡ እቲ ዘጋጠመ ጉዳይ ዳግማይ ከይፍጸም ብዝተኻእለ መጠን፡ ኣብ ዝሓጸረ እዋን፡ ክንእርሞ ምእንቲ ክንክእል ብዛዕባቲ ኩነታት ክትሕብሩና ብትሕትና ንሓትት። 

ኣገባብ ምቕራብ ጥርዓናት

  1. ርክብ ምግባር
    ነዚ ዝስዕብ ኣብ መርበብ ሓበሬታና ዝርከብ ቕጥቒ ርእይቶ  ተጠቂምኩም ጥርዓናትኩም ክተቕርቡ ትኽእሉ፥ ወይ ድማ ብተሌፎን፡ ብኢመይል ወይ ብጽሑፍ ነዚ ኣብ ታሕቲ ዘሎ ዝርዝር ርክብ ተጠቒምኩም ክትረኽቡና ትኽእሉ ኢኹም። ነቲ ጉዳይ ብቕልጡፍ ክንምርምሮ፡ ድሕሪ እቲ ዝዛመድ ፍጻመ ብዝተኻእለ መጠን ቀልጢፍኩም፡ ብዝበለጸ ድማ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ወርሒ፡ ጥርዓንኩም ምልዓል/ምቕራብ ዝበለጸ እዩ። ተመሳሳሊ ዝርዝር ርክብ ተጠቒምኩም ናእዳ ወይ ርእይቶታት ምሳና ከተካፍሉና ትኽእሉ ኢኹም።
  2. መልስና
    ምሉእ መልስና ኣብ ውሽጢ 10 ናይ ስራሕ መዓልታት ምሳኹም ክኸውን እዩ። እንተኾነ ግን ጥርዓንትኩም ዝተሓላለኸ እንተኾይኑ ንመርመራ ዝያዳ ግዜ ክወስድ ይኽእል እዩ። ከምኡ እንተኾይኑ ብቐጻሊ ክንሕብረኩም ኢና።
  3. ጻውዒት ምግባር
    በቲ ዝሃብናዮ መልሲ ሕጉሳት እንተዘይኮይንኩም፡ በጃኹም ኣፍልጡና። ንሓደ ናጻ ናይ ስራሕ ኣባልና/ ጋንታና ነቲ ዝተኻየደ መርመራን ዝተዋህበኩም መልስን ክግምግሞ ክንሓትት ኢና።
  4. ሕጉሳት እንተዘይኬንኩም መሰላትኩም
    በቲ ዝሃብናዮ ናይ መወዳእታ ውሳነና ሕጉሳት እንተዘይኬንኩም፡ ንሓንቲ ካብዘን ኣብ ታሕቲ ተዘርዚረን ዘለዋ ናይ ግዳም ትካላት ብምርካብ ጥርዓንኩም ዳግማይ ክግምገም ክትሓቱ ትኽእሉ። 

ቅዳሕ ናይ ጥርዓን ኣገባብና (PDF) ኣውርድ። (PDF)

ርኸቡና

ናይ ገንዘብ ምትእኽኻብ ግብረ መልሲ

ርእይቶኹም ምስቲ ናይ ገንዘብ ምትእኽኻብ ንጥፈትና ዝተኣሳሰር እንተኾይኑ፡ ናይ ደገፍቲ ክንክን ጉጅለና ንምሕጋዝ ኣብዚ ኣሎ።

ካብ ሰኑይ ክሳብ ዓርቢ ካብ ሰዓት 10 ንግሆ – ሰዓት 4 ድሕሪ ቀትሪ
ስልኪ፡ 0300 456 11 55
ኢመይል ፡ supportercare@redcross.org.uk

ሓፈሻዊ ግብረ መልሲ/ሪኢቶታት

ርእይቶኹም ምስ ዝኾነ ካልእ ኣገልግሎትና ወይ ንጥፈታትና ዝተኣሳሰር እንተኾይኑ፡

ሽዑ በዚ ዝስዕብ ርኸቡና፤ ስልኪ፡ 0344 871 11 11 (ወይ + 44 207 138 7900 ካብ ወጻኢ ዓዲ እንግሊዝ)።
ኢመይል፡ ComplaintsComplimentsComments@redcross.org.uk
ፖስት፡ 44 Moorfields, London, EC2Y 9AL

ንዓኻትኩም ንምግልጋል ዘለና ድልውነት

ብዛዕባ ሰራሕተኛታትና፡ እንሰርሖ ስራሕ፡ ወይ እውን ብዛዕባ እንእክቦ ገንዘብን እንገብሮ ወጻኢታትና ቅረታታት፡ ወይ ስክፍታታት እንተሃልይኩም፥

  •  መስርሕ ምቕራብን ኣፈታትሓን ጥርዓናትና ፍትሓውን ንጹርን ንምግባሩ ንሰርሕ።
  • ካብ ሕነ ምፍዳይ፡ ፍርህን፡ ስክፍታን ነጻ ኮንኩም ጥርዓናትኩም ክተቕርቡሉ እትኽእሉ ውሑስ መገዲ ምፍጣር/ ምቕራብ።
  • ንጥርዓናትኩም ብዕቱብነት ንሕዞ፡ ብዝተኻእለና መጠን ንምፍትሑ ብዕምቆት ንምርምሮ።
  • ብዝተኽእለና መጠን ብዛዕባ እቲ እንገብሮ መርመራ ሓበሬታ ክትረኽቡ ንጽዕር።
  • ብዝተኻእለና መጠን፡ ንዘቅረብኩሞ ጥርዓን ንምፍታሕ ንጽዕር።
  • ጉዳይኩም ብኣኽብሮትን ብዕቱብነትን ንሕዞ።
  • እቲ ጥርዓናት ምስ ድሕነት ትሕቲ 18 ዓመት ዝዕድሚኦም ህጻናት፡ ወይ ንሓደጋ ቅሉዓት ዝኾኑ ዓበይቲ ሰባት፡ ዝተኣሳሰር ምስ ዝኸውን ድሕነት እዞም ሰባት ንምርግጋጽ ኩሉ ኣድላዪ ዘበለ ስጉምትታት ንወስድ። እቲ እንወስዶ ስኩምትታት ምስ`ቲ ንድሕነት እዞም ሰባት ናይ ምክልኻል ፖሊሲና ዝሰማማዕ እዩ።
  • ብመሰረት ፖሊሲና ኣብ ምውሓስ ድሕነት እንእክቦ ሓበሬታ/ ዳታ፡ ንመንነትኩም ዝገልጽ እትህቡና ውልቃዊ ሓበሬታ ብምስጢር ናይ ምሓዝ ሓላፍነትን ግደታን ኣሎና። እትህብዎ ሓበሬታ ኣብ ጉዳይኩም ብዝነጥፉ ሰባት ጥራይ እዩ ዝተሓዝ።
  • ኹሎም ዝወሃቡና ርእይቶታትን ጥርዓናትን ጌጋታት ንኸይድገሙ ኣድላዪ ስጒምትታት ክንወስድ ዘኽእሉና ናይ መምሃሪ ዕድላት ጌርና እና ንርእዩ። እቶም ስምኩም ከይሓበርኩም ርእይቶ ዘቅረብኩም ከይተረፈ ጉዳይኩም ክንርእዩ ኢና። 

ንዝቐርብ ጥርዓን/ ቅረታ ብዛዕብ ምምርማርን ዘይምምርማን ዝውሰድ ውሳኔ

ዋላ እኳ በቲ እተቅርብዎ ርእይቶታት ነመስግን እንተኾንና፡ ኣብ ገለ እዋናት ንጥርዓናት ከይንምርምር እንውስነሉ/ እንመርጸሉ እዋናት ኣለዉ። ንኣብነት፡ ከምዞም ኣብ ትሕቲ ዝተዘርዘሩ ጥርዓናት እንተኣጋጠሙ ነቶም ጥርዓናት ክንምርምሮም ኣይንመርጽን፥ 

  • ጽዩፍ፡ ኣፈራራሒ፡ ጸርፊ ዝመልኦ ቛንቛ ዝሓዘለ/ዘለዎ ርእይቶ/ጥርዓን።
  • ብዘይ ፍትሓዊ ኣገባብ ንሰራሕተኛና ወይ ወለንተኛ ሰርሕተኛንና/ቮሎንቲር ዕላማ ዝገብር።
  • ምስ ስርሓትና ዘተኣሳስር ጉዳይ ዘይብሉም ምስዝኸውን።
  • ድሮ ብመሰረት ኣብ`ዚ ገጽ ዝተቐመጠ ኣገባብ ኣሰራርሓ መፍትሕን መልሲን ዝተዋህቦ ጉዳይ እንተኾይኑ።
  • እቲ ፍጻመ ቅድሚ ነውሕ እዋን ዘጋጠመ ኮይኑ፡ ንምምርማሩን ንምፍትሑን ዘኽእል ሓበሬታ ክንረኽበሉ ዘይከኣል ምስዝከውን። 

ኣስተውዕል፡ ጥርዓንኩም ምስ ተግባር ወይ ዘይምስራሕ ካልእ ሃገራዊ ማሕበር ቀይሕ መስቀል ወይ ቀይሕ ወርሒ ወይ ሓደ ካብ መሻርኽትና ዝተኣሳሰር እንተኾይኑ፡ ነቲ ጉዳይ ከም ኣድላይነቱ ናብ`ቲ ዝምልከቶ ከነመሓላልፎ ኢና። እዚ ጉዳይ ፍቃድኩም ምስ ስረኸብና ጥራይ ኢና ክነመሓላልፎ እንኽእል። 

ብውሳነና ሕጉሳት ምስ ዘይትኾኑ ንመን ክትረኽቡ/ ክትውከሱ ትኽእሉ 

ብዛዕባ ኣብ ጉዳይኩም ዝወሰድናዩ ውሳነ፡ ወይ ኣገብ ኣፈታትሓ ሕጉሳት ምሰ ዘይትኾኑ ነዞም ኣብ ታሕቲ ዘለዉ ትካላት ክትራኸቡ/ ሓገዝ ክትውከሱ መሰልኩም ሕሉው እዩ። መብዛሕትኡ ግዜ እዘን ትካላት ብዛዕባቲ ጉዳይኩም መልሲ ክንህብ ወይ ገለ ተወሳኺ ሓበሬታ ክንህብ ዕድል ምስ ሃባና እየን ንጉዳይኩም ዝቅበልኦ። 

 

ሓፈሻዊ ጥርዓናት 

ኮሚሽን ግብረ ሰናይ ዓዲ እንግሊዝን ዌልስን
ሳጹን ፖስታ/ PO Box 211
Bootle 
L20 7YX
0300 066 9197
ኢመይል፡ whistleblowing@charitycommission.gov.uk 
Charity Commission

ተቖጻጻሪ ማሕበራት ግብረ-ሰናይ ስኮትላንድ (OSCR)
2nd Floor
Quadrant House
9 Riverside Drive
Dundee
DD1 4NY
01382 220446
OCR

 

ናይ ገንዘብ ምትእኽኻብ ዝምልከት ጥርዓናት 

ጥርዓናትኩም ምስ ምትእኽኻብ ገንዘብ ዝተኣሳሰር እንተኾይኑ፡ ብተቖጻጻሪ ምትእኽኻብ ገንዘብ እዩ ዝምርመር። ካባና መልሲ ካብ ዝረኸብኩምሉ ዕለት ኣብ ውሽጢ ክልተ ወርሒ ክትረኽብዎም ኣለኩም። 

ተቖጻጻሪ ምትእኽኻብ ገንዘብ /Fundraising Regulator
Eagle House
167 City Road
London
EC1V 1AW
ስልኪ፡ 0300 999 3407
ኢመይል፡ complaints@fundraisingregulator.org.uk
Fundraising Regulator

 

ውልቃዊ ሓበሬታ ዝምልከት ጥርዓናት 

ጥርዓንኩም ብዛዕባ ዘይውሑስ ኣጠቓቕማን ኣተሓሕዛን ናይ ውልቂ ምስጢራዊ ሓበሬታኹም ዝተኣሳሰር እንተኾይኑ ምስ ቤት ጽሕፈት ኮሚሽነር ሓበሬታ (ICO) ክትረኽቡ ትኽእሉ። 

ቤት ጽሕፈት ኮሚሽነራት ሓበሬታ
Wycliffe House
Water Lane
Wilmslow
Cheshire
SK9 5AF
ስልኪ፡ 0303 123 1113
ኢመይል casework@ico.org.uk
ICO